Friday, September 18, 2015

መን' ዩ ወዲ ህዝቢ?



መን'ዩ ወዲ ህዝቢ?
ካብቲ ዝነበረ ካብቲ ሐዚ ካብ ዘሎ
ንመትከል ዝዋደቕ ብዓረር ዝቕሎ
ይፈለጥ ይመመ ኩሉ የስተውዕሎ
                ገስጋሳይ ብኣፉ ሓቀኛ መሳላይ
                ብመልክዕ ወዲ ህዝቢ ብሓሶት መሓላይ
                ጠባይ ነፋሒቶ ልውጥ ልውጥ በሃላይ
                ሙሉቕ ሙሉቕ ምልጭ ምልጭ ከም ዓሳ ቃላይ
ሸተት ስፍሪ እንጣጢዕ ልሕሉሕ ዝእምነቱ
ዘይጭበጥ ጠባዩ መትከል ዘይፎቱ
                ዓወት ንውፁዓት ኢሉ ኣንጊሁ ዝምሕል
                ምሸታ ምሸት ግን ኣብ ጭቃ ዝጥሕል
ቅኑዕ መትከለይ ግን ኣፉን ልቡን ሓደ
መስዋእቲ ዝኸፍል ቃሉ እንተይከሓደ
                ንቕሓትን ብቕዓትን ኩሉ ዘማልአ
                ኣብ ፅንኩር ኩነታት ተሪሩ ዝረአ                        
ንሱ እዩ ወዲ ህዝቢ እቲ ኣብ ቃሉ ዝፀንዐ
ምእንቲ ውፁዓት ምንባር ዝረስዐ
ብዘብለጭልጭ ዘይሰሓብ ረብሓ ዘየስድዖ
ኣብ መትከሉ ዝሓልፍ ማንም ዘይረትዖ
ንሱ'ዩ ወዲ ህዝቢ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ
ስጡም መዓንጥኡ ዝናር ዝኾለሎ
                 ኣይኮነን ወዲ ህዝቢ እቲ ዕጥቁ ዝፈትሐ
                 ብረቱ ደርብዩ ኢዱ ዝዘርገሐ
ንሱ ኣይኮነን ወዲ ህዝቢ
እቲ ብደም ስውኣትና ዘላገፀ
ከዳዕ እዩ ሽሙ ኣዕፅምቲ ጀጋኑ ዝረገፀ
      እምበር ወዲ ህዝብስ ኣሎ
      ኣብቲ መስመር ቃልሲ
      ናብ ፍረ ከብቅዓ ዝተኸላ ፈልሲ፣
ስለዚ ልቢ በል ኩልኻ ሰማዒ
ሓቂ ክነግረካ ብዘይነፅፍ ብርዒ
       ስሪኡ ፈቲሑ ቀሚሽ ዝወደየ
       ናብ መፃወድያ ፀላኢ ባዕሉ ዝጎየየ
ወዲ ህዝቢ ኣይኮነን ዴምህት ኣይውክልን
ዴምህት ዝመልመሎ ጅግና ኣይሃድምን
       ምሒሉ ጥሒሉ ኣብ ተግባር ዘመስክር
      ንሱ እዩ ዴምህት ንኸብዱ ዘይሓድር።
ህይወቱ ዝኸፍል ህዝበይ እናበለ
ኣብ መትከል ዝወድቕ ብፅንዓት ዝልለ
ንሱ'ዩ ዴምህት ዴምህት ናይ ብሓቂ
ዕላማ ዝኣምን ዝተፈተነ ወርቂ