Friday, October 16, 2015

ዘይንቕነቕ ሰረት



ካብ ማእኸል ማእኸሉ ሕምብርቲ ናይ ገድሊ
ካብ ፈልሲ ናይ ሎሚ ካብ ናይ ፅባሕ ተኽሊ

ተመልከቱ ጩራ ሰረት ዴሞክራሲ
ራህዋ ህዝቢ ፅባሕ ክጋሃድ ብቓልሲ

ይሕንሕን ይጓዝም መቓልሕ ብስራት
ይምልመል ይግውድ በትሪ ናይ ውፁዓት

ይእከብ ይሰምር ፋሕ ዝበለ ቅልፅም
ብጥምረት ብውህደት ፀላእቱ ይርምርም

ከምቲ ቀደም ቀደም ብሴፍ ብጉራደ ንደጋዊ ሕማም
ፀልእቱ ዘሕፈረ ብሳንጃ ብዝናር ብውሽጢ ብግዳም

ሎሚ ኸ ምልምለይ ደርጊ ዝሳዓረ ብረት ዓሚ
ጣልያን ዝገረፈ ዝናር ቅድሚ ዓሚ

ሰማዒ ብእዝኒ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከይመስሎ
ኣብ መፅሓፍ ዝንበብ ጥበብ ዝሳኣሎ

ክድገም ኣለዎ ኣብ ልዕሊ ናይ ሎሚ
ብግብሪ ኣመስክሮ ከይመስሎም ሕልሚ

ኣለካ እንዶ ሰረት በዕፅምቲ ተነድቀ
ታሪኽ ወለዶታት ብደም ተወረቐ

ዓለም ዘጉረምረመ ቅልፅም ናይ ወለዲ
ኣዕሚቑ ዝቐበረ ናይ ጓዳ ፀልእቲ ምስ ወረርቲ ባዕዲ።

ፋሓሮ ጎቦታት ናይ ዓድዋ
ነጊርካ ዘይውዳእ ዛንታ ኣለዎ ፅዋ

ናይቲ ፃዕዳ ቆርበት ወራሪ ናይማቱ
ፈሲሱ 'ሎ ደሙ ተቐቢሩ ኣዕፅምቱ

ኣሰር'ሎ ናይ ሴፍ ናይ ጉራደ
ንመድፍዕ መትረየስ ባዕዲ ዘዋረደ

ገንፅሎ ትምዕራፍ ኪደናይ ናብ ኣኽሱም
ዓሸራ 'ሎ ርቀት ወለድኻ ታሪኽ እንትፍልም
ጥበባት ኣፍሊቑ ኣብ እምኒ ተራቒቑ
ገዳማት ገዲሙ ሓወልቲን ኣቚሙ

ኣብቲ ድሑር ዘመን ዓለም ጉድ ዘበለ
ቅያ ኣለካ ውርሲ ዝተመሳቐለ።

ላሊበላ እንተ ኸድካ ጎንደር
ዓብዪ መፅሓፍ ኣሎ ዝሓቖፈ ማህደር።

ኣድባራት ገዳማት ቤተ መንግስታት
ኣብኡ ኣለካ ቅያ ናይ ሕሉፍ ዘበናት

ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ክሰሜን ንደቡብ
ዛንታ ወለዶታት ዘይነፅፍ ታሪኽ ክንደይ ኢለ ክነብብ

ጅግና ክበራረ ዝሓለፈ ጅግና ጅግና እንድዩ ወሊዱ
ኣይኮነን ዶ ሎሚ ዕፅፍታት ረቢሑ ብታሪኽ ገዊዱ

ኣብቲ ቀደም እኳ ኣብቲ ድሑር ዘመን
ኢትዮጵያዊ ጅግና ቃልሱ ኣይተዓግተን

ሎሚ ግዳ ሎሚ ወዲ ኣምበሳ ዋዕሮ
ብታሪኽ ዝገወደ ብውህሉል ተመክሮ
ዝነደቖ ቃልሲ ሃዲድ ዴሞክራሲ መን እዩ'ሞ ክደፍሮ

ረይጣጥስ'ያ ዳዕሮ ይንቕንቕ
ነዛ ነብሱ እኳ ዘየሐምቕ

ብዃር'ያ ዶ ነምበሳ ትሰሮ
ተኹላ ዶ ንነብሪ ይሕንገሮ

ግዳ መሲልዎም ዳዕሮ ክንቕንቑ ፍኒሕኒሕ ጀሚሮም
እንታይ ከ ዘይገበሩ ዓቕሊ ፅበት 'ዩ ረፅሚ ፈጢርሎም
ልሙሳት ምዃኖም ኣይፈለጡን ነይሮም፣

ሕዚ 'ውን ግዳ ንገርዎም ቃልሲ ህዝባውነት
ክንቕንቑ ከይፍትኑ ዘይንቕነቕ ሰረት።