Sunday, November 15, 2015

ሕቶ ህዝቢ ምስሉይ በዓላት ብምኽባር ኣይምለስን፣



   ኣብ'ዚ ሰሙን ኣመራርሓ ብኣዴን መበል 35 ዓመት ጉዕዞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዝብል ንምኽባርን ክሰርሕዎ ዘይኽእሉን ነገራት ብምርራዉን ብምብካይን ህዝቢ ንምትዕሽሻዉ ምፍታን ስዓቱ ዝሓለፎም ይመስሉ።
   ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ ምንም ከይሰርሕሉ ዝሓለፈ ዓመታት ምቑፃር ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ብኣዴን ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝተቆፃፀረሉ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ሒዝዎ ዝተበገሰ ሕቶ ከይተመለሰ ብምትራፉ። ሽግር ብዝወለዶ ስደት ኣብ በረኻ ብዘይ ቀባሪ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ካብ ህዝቢ ዝወፃና ዉድብ ኢና እናበሉ ምዝራብ "ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ማእሲ ኣንፅፉለይ" በለ ከም ዝተብሃለ እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይኽእልን።
   ብኣዴን ህዝቢ ኣምሓራ ወኪለ እየ ብዝብል ካብ ፌዴራል ክሳብ ካልእ ክልላትን ጋዜጠኛታትን ናብ'ቲ በዓል ብምዕዳም ዝሰራሕናዮ ስራሕ ተዓዚብኩም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፋልጡልና ምባሉ ሓደ ነገር ኮይኑ ብፍላይ ካብ ናይ'ቲ ዉድብ 35 ዓመታት ጉዕዞ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ለዉጢ ተረኺቡ ንዝብል ሕቶ መልሱ ግልፂ ይመስለና።
   ንምዃኑ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ህዝቢ ብጥሜትን ዝተፈላለዩ ፀገማትን እናተሳቐየ ኣብ ዘለሉ እዋን ንሳቶም ልደት ዉድቦም ብኣዴን ከም ዓብዪ ኣጀንዳ ሒዞም ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ብዛዕባ እቲ በዓል ቅድመ ድልዉነት ብዙሓትን ዓበይትን ስነ ጥበበኛታት ፍሉጣት ሰባትን ሒዞም ብምዝዋር ንዑ መስክሩልና እናበሉ እንትመጣልዑ ንትራንስፖርት፤ ንምግብን ከምኡ'ዉን ንመዓልታዊ ኣበል ካብ መንግስቲ ካዝና ብምዉፃእ የባኽኑ ኣለዉ፣ ነቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር "ኣብ ልምዓታዊ መንግስትና ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ" እናተብሃሉ ብዙሕ ወፃኢ ዝተገበረሉ ሽልማት ኣዳልዮም ምዕዳል። እንታይ ተሰሪሑ? ኣብ ህዝቢ እንታይ ሓዱሽ ለዉጢ ኣምፂኦም እዞም ዉልቀ ሰባት ንምሽላም ዝበቕዑ? ብኣየናይ ዓይነት መለክዒ ኣእምሮ ስለ ዝተርኣዩ? እዚ ነቲ ህዝባዊ ሕቶታት ብምኽንያት እቲ በዓል ዝተመለሱ ኣምሲሎም ብምቕራብ ንርካሽ ፕሮፖጋንዳ ንኽጥዕሞም ዝተወጠነ ምዃኑ ከይተሓለመ ዝተፈተሐ እዩ።
   ኣመራርሓ ብኣዴን ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ምስ ምሁራን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ዘይሓሰብዎ ሕቶ ተደራሪቡ ብምቕራቡ ንህዝቢ ኣብ መስመርና ኣእትናዮ ኢና ዝብል ዝነበሮም ርድኢት ዝተዛበዐ ምዃኑ ተገንዚቦም ፊት ንፊት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምዝራብ ሕፈረት ዘገምጉም ሓሳብ ክሰምዑ ኣኽኢልዎም እዩ።
ብህዝቢ ኣምሓራ ዝለዓሉ ዘለዉ ኣፃዳፊ ሓሳባት፦
- ህዝቢ ኣምሓራ ንሽግራቱ ሰማዒ ስኢኑ ሕዚ ካብ ዝኾነ ብሄር ንታሕቲ ኮይኑ እናተሳቐየ ይርከብ፣ ኣብ ሃገሩ ዓመታት ሰሪሑ ዘፍረዮ ንብረት እናተመንጠለ ካብ ክልላት ይስጎግ ኣሎ?፤ ንስኻትኩም ንህዝቢ ኣምሐራ ወኪል ኢና እናበልኩም ኣብ ሚድያታት ትዛረቡ፣ ንምዃኑ ንህዝቢ ኣምሓራ እንታይ ዝሰራሕኹምሉ ኣሎ?። ካብ እዋን ደርጊ ብዝገደደ ተወላዲ ኣምሓራ ሕዚ ተዋሪዱን ናፋቒ መሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጂን ብምዃኑ ዝተማሃረን ዘይተማሃረን ዝተወለደሉ ዓዲ ራሕሪሑ ናብ ስደት ተቓሊዑ ይርከብ።
- መራሕቲ ብኣዴን ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ ትነግዱ ኣለኹም እምበር ካብ ህዝቢ ኣምሓራ ዝወፃኹም ኣይኮንኩምን፤ ህዝቢ ኣምሓራ ኣረመኔ ስርዓት ደርጊ ንምእላይ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ብምትሕብባር ግዜ ዘይርስዖ ታሪኽ ዝሰረሐ ህዝቢ እናሃለወ ሕዚ ግን ንስኹም ብትኣልምዎ ሽርሒ ህዝቢ ኣምሓራ ብሕሉፋት ስርዓታት ተጠቃሚ ነይሩ ብዝብል ዝተሰሓሓተ ርድኢት ምስ ጎረባብቲ ክልላት እናተፋጠጠ ኣብ ዝርከበሉ ሰዓት ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያ ብኸመይ ይሕሰብ?፤ ንምዃኑ ብሓድነት ኢትዮጵያ ድሌት ህዝቢ ንምምላስ ትሓስቡ እንተኾይንኩም  ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ዘርኣዉነት ዘጋድድ ብሄራዊ ዝኾኑ ኣርባዕተ ዉድባት ምህላዉ ንምንታይ ኣድልዩ?፥
ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕዚ ዝደሊ ዘሎ ዘበገሶም ሕቶታት ሰሚዑ ብዝግባእ ዝምልስ ህዝባዊ ዉድብ እምበር ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዉድባት ህወሓት፤ ብኣዴን፤ ደኢህዴንን ኦህዴድን ልደት በዓል እናተብሃለ በቢዓመቱ ሽርጉድ ምባል ግዜን ገንዘብን ምብኻን እንተዘይ ኮይኑ ኣብ መነባብሮ ሓፋሽ ህዝቢ ዉፅኢት ስለ ዘይብሉ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን።
    ንምጥቕላል ተግባራት ብኣዴን "ትኽስ ያ ድሙስ መዘንግዒ ኣንጭዋ" ከም ዝብሃል እንተዘይኮይኑ ሽግር ህዝቢ ብድኹም ኣመራርሓ ናይ'ቲ ዉድብ ክፍታሕ እዩ ኢልካ ምምናይ ዓርሰ ቅትለት ካብ ምፍፃም ዝፍለ ኣይኮነን። ምኽንያቱ በቲ ኣምሰሉን ፀቢብ ፈታዊ ነብሱን ጉጅለ ዝኽበሩ ቅጥዒ ዝሰኣኑ በዓላት ሽግር ህዝብን ሃገርን ዘንቀሎም ሕቶታት ስለ ዘይምለሱ።