Saturday, November 21, 2015

ዕርቃኑ ዝወፀ // ሕዱር ሕማም!!



ኣብ ሓንቲ ሃገር // መሰረት ኩሉ ነገር // ሰናይ ምምሕዳር እዩ ፣  ሓደ ስርዓት // ኣብ ውሽጢ እቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ቅኑዕ ሰናይ ምምሕዳር ክዝርግሕ እተዘይክኢሉ ካልእ ፅቡቕ ነገር ክሰርሕ ትፅቢት ኣይግበረሉን። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር // ስለ ዝዕመም።

እቲ ኣብ ሃገርና ቀንዲ ሕማም ኮይኑ ዝፀነሐን ዘሎን ድማ // ሕማም ሰናይ ምምሕዳር እዩ። እዚ ሕማም ‘ዚ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ // እቲ ስርዓት ግን “ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም የብለይን” እናበለ ነቲ ብሰንኪ ኣማሓደርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍፀም ዝፀነሐ ከቢድ በደል ክኽሕዶ // ፀኒሑ እዩ።

ህዝቢ ድማ ብኣንፃሩ ብሰንኪ ሕፅረት ሰናይ ምምሕዳር ብኣማሓደርቲ ክልል፤ ዞባ፤ ወረዳን ጣብያን // ከቢድ በደል ይወርዶ ከም ዘሎ ኣፍ ኣውፅዩ ይቃወምን መፍትሒ ክግበረሉ ይጠርዕን ከም ዝፀነሐ እቲ ስርዓት ‘ውን ክኽሕዶ ዘይኽእል ከቢድ ፀገም እዩ። ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳር ካብ ምባል ሓሊፉ ክሳብ ሰናን ምምሕዳር ምባል ‘ውን በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት// ብናይ ምድንጋርን ምኽሓድን ተግባር ዝተኸለሰ ስለ ዝኾነ // ነቶም ኣብ ሃገርና ኣጋጢሞም ዘለዉ ስእነት ዴሞክራሲ ዝወለዶም መሰል ደቂ ሰባት ዝግህሱ ኢ-ዴሞክራስያዊ ፍፃመታት ብዓይኒ ዕሙተይ ክኽሕዶም//ፀኒሑ እዩ።
እንተኾነ ግን // ሓቂ ንግዚኡ ዳኣ ክኽወል ወይ ክሕባእ ይኽእል እምበር። ንኩሉ ግዜ ክትሓብኦ ዝካኣል ኣይኮነን። እነሆ ድማ እቲ ንህዝብና ሓኒቑ ብምሓዝ ምንጪ ዘይታኣደነ ኣታዊ ካድረታት ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ዝፀነሐ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር። ሎሚ ዕርቃኑ ክወፅእ ክኢሉ’ሎ።

ጉቦን ግዕዝይናን ዝወለዶ ሕፅረት ሰናይ ምምሕዳር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይታ ሃገር መሰረት ኣንፂፉ እቲ ስርዓት ክሓብኦ ኣብ ዘይኽእለሉ መድረኽ ስለ ዝበፀሐ ኢህወዴግ ንህዝብን ሃገርን ዝቑርቆር ግዕዝይና ዝፅየፍ መሲሉ ብምቕራብ ብሃገር ደረጃ ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳር መፅናዕቲ ከካይድ ጀሚሩ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ድማ እታ ሓለፋ ካልኦት ክልላት ከም ዝተረበሐት፤ ህዝባ ዴሞክራሲ ከም ዝረኸበ፤ ልምዓት ዘረጋገፀት እናተባህለ ክዝመረላ ዝፀነሐት ክልል ትግራይ ካብተን ብግዕዝይና ዝተቖማጥዓ ክልላት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ክኢላ እያ እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓለፋ ተረባሒ ናይቲ ስርዓት’ዩ ንዝብል ግጉይ መግለፂ // ዝእርም እዩ።

ሎሚ ኣብ ሃገርና እኹል ገንዘብ እንተዳኣ ሃልዩካ ንፍትሒ፤ ንዳኛ፤ ንበዓል ስልጣን፤ ንፖሊስን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ኣብ ጅባኻ ሒዝካዮም ክትዘውር ትኽእለሉ ገፊሕ ዕድል ኣሎ። ብሓፂሩ ንፍትሒ፤ ንሕጊ ብገንዘብ ክትገዝኦ // ትኽእል ኢኻ እዚ ካኣ እቶም ንውልቃዊ ጥቕሞም ዝተዓጥቁ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ዝፈጠርዎ መርዛም//  ሕንዚ እዩ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ከቢድ ገበን ፈፂሙ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ሰብ ብገንዘቡ ነፃ ዝልቀቐሉ ፍትሕን ርትዕን ብሓይሊ ገንዘብ ኣብ ዝጉዕፀፀሉ፤ ኮታ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክረክብ ዝኸደ ህዝቢ ብኢድካ ዶ ብእግርኻ ተባሂሉ ኣብ ዝሕተተሉ ሃገር ሰናይ ምምሕዳር የለን ካብ ምባል መንግስቲ የለን ምባል ይቐልል።
ህወሓት ኢህወዴግ እዚ ኹሉ ጉድ ክኸዋውሎን ክኽሕዶን ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ኮይኑ ክነቱግ ምስ በለ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ንምቕራፍ ተዓጢቐ ኣለኹ ብምባል ምንቅስቓስ ምጅማሩ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ካብ ምዃን ሓሊፉ // ትርጉም ኣይህልዎን።

ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓ ናይቲ ስርዓት፤ ኣኽበርቲ ሕግን ዳያኑን፤ ፖሊስን ድህንነትን፤ እቲ ፀረ ግዕዝይና ኮምሽን ዝባሃል ትካልን ኣብ ግዕዝይና ታኣሊኾም ዝበስበሱን ጥዑም ዝለመዱን ስለ ዝኾኑ ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ከይተገብረ ግዕዝይና ክውገድ// ኣይክእልን።
እዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ንሰናይ ምምሕዳር ዝዕንቅፉ ማሕለኻታት ክነወግድ ኢና ዝብል ምስሉይ ምንቅስቓስ ድማ ስምዒት ህዝቢ ንምንባብ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተዘይኮይኑ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ንሕድሕዶም ክነቓቐፉን። ፀገማት ህዝቢ ገምጊሞም ክፈትሑን ድፍረት // የብሎምን።

ብፀገማትካ ክትግምገምን ድኽመታትካ ተቐቢልካ ክትማሃረሎምን ትብዓት ይሓትት ህወሓታውያን ግን ተጋጊና ኢና ኣብ ምባል ዘይቕደሙ እኳ እንተኾኑ ጌግኦም ኣብ ምእራምን ምስትኽኻል ግን ዓፀውቲ //መስርዕ እዮም ስለ ዝኾነ ነዚ ዕርቃኑ ወፂኡ ዘሎ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ክፈትሕዎ እዮም ኢልካ ምፅባይ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቅል // የዋህነት እዩ ።