Tuesday, November 8, 2016

“ተግባር ኣልቦ ህውተታ”



እቲ ኣብዚ እዋን ብጉጅለ ኢህወደግ ዝካየድ ዘሎ ብሹም ተሃድሶ ዝተሰመየ ህውተታ፣ ዘገርም ግን ድማ ሕብረተሰባዊ ንቕሓት ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት እዚ ኣብ ልዕሊ ነቲ የመሓድሮ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ክፍፅሞ ዝፀንሐ ኣረሜናዊ ተግባራትን ምዝመዛን እቲ ባርዕ ናብ ርእሱ ተገልቢጡ ኣብ ክወፆ ዘይኽእል ሓደጋ ምስ የእተዎ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ ስለ ዝኾነ።
ካብቲ ተወሊዑ ዘሎ ሃልሃልታ ባርዕ ግዝያዊ መኸወሊ ክኾነኒ ይኽእሉ እዩ ብምባል ዝወስዶም ዘሎ ዓይነታት ዘለዎም መደናገርቲ ስጉምትታ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ዓፈና መሓውሩ ዘርጊሑ ህዝብና ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ክሕፀር ካብ ዝገበረ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ እዩ ዝጅምር።

እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ጠቕሊሉ ካብቲ ብ100 ምኢታዊት መሪፁና ዝበሎ ህዝቢ ደመኛና ኣብ ስልጣን ክቕፅል ኮነ ከመሓድር ተኽእሎ ይኹን ባይታ የቡሉን ተባሂሉ ናይ መወዳእታ ፍርዱ ንምሃብ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ፀኒዑ ይቃለሶ ከም ዘሎ ዘርእየና ወድዓዊ ሓቂ እዩ።

እንተኾነ ግን እዚ ብህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ተተፊኡ ዘሎ ጉጅለ፣ ምድንጋርን መናውሒ ዕድመ መድሓኒት ምውሳድን ኣመሉ ስለ ዝኾነ፣ ኣንፃሩ ሆ ኢሉ ንዝዓጠቐ ህዝቢ ንምትላል፣ ሱርን ነቀል ለውጥን ምምሕያሽን ከምፅእ እየ ብምባል፣ ኣብዚ ቅንያት ናይ ሚኒስተራ ምቅይያ ክገብር ተዓዚብና ኣለና፣ እዚ ግን መን መርዓ ምስ በለክን ትኳሓላ ዘስሚ ፉል ውዲት ከም ዝኾነ ህዝቢ ክነቕሓሉ ይግባእ።
ጉጅለ ኢህወዴግ ሓደሽቲ ካቢኔ ሚኒስተራት ስለ ዝሾመ ምሁራት እዮም ብቑዓት እዮም እናበለ በተን ብሒትወን ዘሎ ልሳን ህዝቢ ዘይንታየን ዝኾና ሚድያታቱ ኣቢሉ ይፍክር እኳ እንተሎ፣ ህዝብና ግን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ሚኒስተራት ለውጢ ዘይኮነስ፣ ናይ ስርዓት ለውጢ ክግበር እዩ ኣጥቢቑ ዝሓትት ዘሎ። ምኽንያቱ ህዝብና ኣብ ዝባኑ ተሓዚሎም ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ቸቸ ዝበልዎ መራሕቲ ባህሪኦምን ተግባሮምን ኣፀቢቑ ስለ ዝፈልጦም ኣብ ሎሚ በፂሖም ብተሃድሶ ክሕደሱ እዮም ዝብል እምነት የብሉን።

“ሓንካስያ ዝመራሒተንስ ኩለን ደውላፃት” ዝብል ምስላ ዘዘኻኽረና ድማ ናይቲ ብሹም ህዝቢ ትግራይ እናመሓለ ናብ ጎደና ጥፍኣትን ዕንወትን ዘቃልዖ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዘካይዶ ሽማዊ ገምጋማትን ዝሃቦ መግለፅን ዝኣትዎ ዘሎ መፅብዓን እዩ።
ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ሰሪሐዮም ዝበሎም ኣወንታታት ኣብ ባይታ ዘይራኣዩ ስለ ዝኾኑ፣ ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ እዩ ‘ሞ፣ ካብ ባሃሊኡስ ደጋሚኡ ከይኸውን ክንሰግሮ መሪፅና ኣለና፣ ብመሰረቱ ግን ኣብ ትግራይ ከምቲ መራሕቲ ህወሓት ዝሃብዎ መግለፂ ፈፂሙ ኣይተሰርሐን እኳ ዳኣ ህዝቢ ትግራይ፣ ተጠቃሚ ልምዓትን ሰላምን ዘይኮነስ፣ ዝያዳ ደምዩን ሰንኪሉን መስዋእቲ ከፊሉ ብዝተኸሎ ስርዓት ክርገፅ፤
ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ ክስእን፤ ምስ ህዝብታት ሃገሩ ሰላም ረኺቡ ብፍቕርን ስኒትን ከይነብር ብሰንኪ መራሕቲ ህወሓት ዝዘርእዎ መርዚ ዘረኛ ዝብል ስም ክልጠፎ፤ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ክወርዶ፤ ብጥምዩ ዕጉብ ብዕርቑ ክዱን ኮይኑ ብኽልተ ሓለንጊ ክውቃዕ ዝተፈደየ ህዝቢ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ከምቲ መራሕቲ ህወሓት ዝብልዎ፣ ቀዲሙ ዝሓተቶ ሕቶ ተመሊስሉ ተጠቃማይ ኮይኑ፣ ካልእ ተወሰኽቲ ረብሓታት ንምርካብ ይሓትት ኣሎ ዝበሉዎ ዘይኮነ፣ በቢ መዓልቱ ዘማርረሎም መሰረታዊ ጠለባትን ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር፤ ሕቶ ፍትሕን ልምዓትን ዴሞክራስን ሓሊኾም ክሳብ ዘውድቕዎ ቁሊሕ ዝብሎ ኣካል ዘይረኸበ ህዝቢ እዩ።
 
ናይዚ ከም ኣብነት ንምውሳድ ህዝቢ እምባስነይቲ ብ10ታት ኪሎሜትራት እናተጉዓዝና ንሽገር ኣለና፣ ምሕደራና ብዒፍ ዋንጭፍ ኮይኑ፣ እናበለ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘቑፀረ ሕቶ ከባቢያዊ ምምሕዳር ፣ ኣብ  ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ዘሎ ልዕሊ 20 ዓመት ዘቑፀረ ሕቶ ፅርግያ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዘሎ ዓመታት ዝዘለቐ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ፍታሕ ኣይተረኸበን። እዞም ሕቶታት እዚኦም ድማ ተወሰኽቲ ረብሓታት ዘይኮኑስ ከም ህዝቢ ክረኽቦም ዝግቦኦ መሰረታዊ ማሕበራዊ ጠለባት ምዃኖም እኹላት ኣብነታት እዮም።

እዚኦምን ካልእትን ፍታሕ ስኢኖም ኣብ ዘለውሉ ድማ ብዕምቆት ንተሃደስ ንጋደል ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዘካየዶ ገምጋም፣ ጋዕዚና ነይርና  ኣብ በለፅን ምክእኣልን፣ ኣብ ተግባራት ፀረ ህዝቢ ተዋፊርና ፀኒሕና፣ ህዝብና በዲልናዮ ኢና ፀኒሕና፣ ሕዚ ቆሪፅና ተላዒልና፣ ጫማ ህዝቢ ኮይና ነገልግሎ፣ ህዝብና ንኽሓሶ ብዝብል ነቲ ዝተለመደ መፅበዓን ተግባር ኣልቦ ህውተታን ክደጋግሙ ሰሚዕናዮም ኣለና።
እዚ ህውተታ እዚ ግን ህበይ ምስ ሓለፈ መደረጋሕ ስለ ዝኾነ፣ ንህዝቢ ትግራይ 25 ዓመታት ምሉእ ዝተኣተውሉ ግን ድማ ክሳብ ሎሚ ተግባራውነት ዘይረኸቡ ቃላት ስለ ዝኾኑ፣ ንእዝንና ሓደሽቲ ክኾኑ ኣይኽእሉን፣ መራሕቲ ህወኣት ሎሚ ዝተዛረብዎ ፅባሕ ዘይደግምዎ ወይ ድማ ንዓመታ ‘ውን ዘይትግብርዎ ስለ ዝኾኑ፣ ህዝብና ካብ ተሃድሶ ኢህወደግ ይኹን ገምጋም ህወሓት ለውጢ ክፅበ የብሉን።
መራሕቲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ብምህላዎም ህዝቢ ትግራይ ዘይሽሙ ክለብስ፤ ካብ መሰረተ ልምዓት ድሕሪት ክተርፍ፤ ከፅንትዎ ኣፈሙዝ ዘቕንዕሉ ፀላእቲ ክበራኸቱ ዳኣ፣ በሪ ከፊቶም እምበር፣ ንረብሓን ተጠቃምነት ህዝቢ ትግራይ ዘበርከትዎ ነገር የብሎምን።

እዚ ሕዚ ዙርያ መለሽ ፀላእቲ ምስ ኣጋጠምዎም ብማዕበል ፍትሒ ዝፀመአ ህዝቢ ክዋሓጡ ምስ ደለዩ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝሳኣንዎ ተቐባልነት ኣብ ትግራይ ከካሓሕስዎ ዝገብርዎ ዘለዉ ሽርጉድ ድማ ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ሓጎስ ገ/ህይወት ዝበሎ “ክፅግሞም ከሎ ዝደልዩኻ፣ ክምችዎም ከሎ ዝሰጉኻ” ንዝብል ደርፉ ሓቅነት ዘላብስ ተግባር እዮም ዝፍፅሙ ዘለዉ።

ን25 ዓመታት መመላእታ ኣበይ ኣለኻ ኢለሞ ዘይፈልጡ ህዝቢ፣ ሎሚ ሕንን ባሃሊኦም ምስ በዝሐ፤ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ኩሉ መፀግዒ ምስ ሰኣኑ፣ ፈተውቱን ሓለይቱን መሲሎም፣ ንህዝቢ ትግራይ መፀግዕን መዕቐልን ገይሮም መሳርሒ ክገብርዎ ዘካይድዎ ዘለዉ ጎስጓስ ህዝቢ ትግራይ ብንቕሓት ክጥምቶን፣ ሓንሳብ ዝተፋእኻዮ ስለ ዘይትመልሶ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከርሕቕዎ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዳኣ እምበር ብቓላት ናይ ዝግለፅ እንጀራ ተስፋ ተመጊቡ ዝነብር ህዝቢ ኣይኮነን፣ እንቲ ምንታይ መራሕቲ ህወሓት ዝኣትውዎ ዘለዉ መብፀዓታት ተግባር ኣልቦ ህወተታ ስለ ዝኾነ።

No comments:

Post a Comment