Monday, December 19, 2016

ክንልወጥ ኢና ባሃልቲ ዘይተለወጥቲ!!



ስልጣን ህዝቢ ብሓይሊ መንዚዑ ብፌደራላዊ ስርዓት ህዝብን ሃገርን ክመርሕ እየ ብዝብል ፈሊጥ ኣብ ስልጣን ተኾዲሙ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ ኣብዞም ኣመዝጊብዎም ዘሎ 25 ዓመታት ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ብጸጋ ክቕበሎም ዘጸገምሉ ከበድቲ ውድቀታት ኣታኣናጊዱ’ሎ

እዚ ስርዓት እዚ ገና ክጥነስ ከሎ ኣትሒዙ ጸገም እኳ እንተነበሮ እቶም ዝዓበዩ ውድቀታቱ ግን ካብናይ በረኻ ሽፍትነት ወጽዩ ናይ ከተማ ሽፍትነት ካብ ዝጅምር ንዳሓር ኣብ ዘሎ ዕድምኡ እዩ ኣታኣናጊድዎም ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህዝቢ ነጺልዎ ዘሎ ድማ ክትግብሮም ዘይኽእል ቃላት ኣብ ዕዳጋ ብምውራድ ኣብ ከይዲ ኣፈጻጽምኦም ክሳራ የጋጥሞ ስለ ዘሎ እዩ

ኢህወደግ ዝኣትዎም ዝዛረቦም መብጽዓታት ተፈጻምነት ዝረኽቡ እንተዝኾኑ ነይሮም እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ተፈጢሩ ዘሎ መዕገቲ ዘይብሉ ምፍጣት ኣይምተፈጥረን እዚ ስርዓት ግን ቃሉ ክፍጽም ብዘይምኽኣሉ ንዝላዓሉ ናይ ህዝቢ ቁጠዐ መዋእሉ ብሓይሊ ብረት እናደቀስ ዝነብር ስለ ዝመሰሎ ኣብያ ንዘርኣየ ህዝቢ ብብረት እናጨፍጭፎ እዩ መጽዩ

ይኹን እምበር ድምጺ ሕቶ ህዝቢ ብሓይሊ ዓፊንካ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላም ክተረጋግጽ ከም ዘይትኽእል ኣረጋጊጹ’ሎ እዚ ስርዓት እዚ ዒሕ ዝበለ ይታሓጎም እናበለ ክኸዶ ዝጸንሐ መንገዲ ከም ዘየዋጽኦ ስለ ዝተረደአ ሎሚ ‘ውን ክፍጽሞ ናብ ዘይኽእል ማሕላታት ክኣቱ ተገዲዱ’ሎ ሓደ ካብቶም ማሕላታቱ ድማ “ብዕምቆት ንተሓደስ” “ንህዝቢ ዝወገነ ካብ ኣፍ ህዝቢ ክምንጥልን ናብ ብልሽው ኣሰራርሓ ኣይኣቱን” ወዘተ ዝብል እዩ

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ንለወጥ ባሃልቲ ዘይተለወጥቲ ምዃኖም እናፈለጡ ንለወጥ ብምባል ካብ ፌደራል ጀምሮም ክሳብ ናይ ክልል መንግስታት ተሃድሶ ዝብል መዓር ዝተቐብአ ቃል ተጠቒሞም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ኣኼባታት ክጽመዱ ንዕዘብ ኣለና እንተኾነ ግን እዞም ዝካየዱ ዘለዉ መድረኻት ሓደሽቲ ስለ ዘይኮኑ ሓዱሽ ለውጢ ሒዞም ክመጹ እዮም ዝብል ቅንጣብ እምነት ዘለዎ ህዝቢ የለን

ምናልባት ኣብዞም ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ተሃድሶ መድረኻት ሰብ ብሰብ ክትካእ ኣቶ ብዶ/ር ክቕየር ተዓዚብና ኢና እዋናዊ ሕቶ ድሌትን ጠለብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ሰብ ብሰብ ይተካእ ዝብል ኣይኮነን ሕቶና እቶም ሓደስቲ ተመረጽቲ እንመን እዮም? ህዝባዊ ውግንና ኣለዎም ዶ? ቃንዛ ህዝቢ የቐንዝዎም ዶ? ዝብል እዩ እንተ እቶም ሕጂ ክትክኡ ንዕዘቦም ዘለና ዶካትር ግን ዕሉላት ካድረታትን ኣባላትን ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም
ካብኡ ሓሊፉ ኢህወደግ ብተለይ ህወሓት ናይ ብሓቂ ክትልወጥ ትደሊ እንተዳኣ ኮይና እቶም ኣሪጎም ኣገልግለቶም ኣብቂዖም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ክልል ናብ ህልም ዝበለ ጸድፊ ዝመርሕዋ ዘለዉ እኒ ኣባይ ወልዱ ቅድሳን ነጋ ኪሮስ ቢተው ካልኦትን ስለ ምንታይ ካብቲ ንዕዕም ዘይበቅዕ ባይታ ዘይኣለየቶም? መልሱ ንሓፋሽ ክንገድፎ ብመሰረቱ ግን ህወሓት ዘካየደቶ ተሃድሶ “ሓንካስያ ዝመራሒተንስ ኩለን ደውላጻት” ንዝብል ብሂል ዘራጉደልና ኮይኑ እዩ ሓሊፉ
ካቢኔ ናይታ ክልል ዓባስ ብዓባስ ዝተዓብሰ ውክልና ህዝቢ ብዘይብሎም ኣባላት ናይቲ ስርዓት ዝተተኽተኸ ስለ ዝኾነ ሓላፍነት ህዝቢ ክዋጻእን እቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ዝነበረ ለውጢ ንኽመጽእ ኣትሪሩ ክገማገምን ኣይካኣለን ነንዝተረቖሐ ስም ኣንጨብጪቡ እዩ ኣጽዲቕዎ ሓሊፉ እዚ ድማ ህወሓት ክሳብ ክንደይ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ከም ዘሎ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣባል ህወሓት ኮይንካ ንህወሓት ምቅዋም ኣባላት ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ዓርሰ ቅትለት ገይሮም ከም ዝርድእዎ እዮም ኣረዲኦምና ሓሊፎም

እዚ ፍጻመ እዚ ካኣ ገና ካብ ብጊሓቱ ርዱእ እኳ እንተነበረ ህወሓት ክልወጥ እየ ባሃሊት ዘይተለዋጢት ኣባላታ ካብ ሓደ ወምበር ናብ ካልእ ወንበር እናሰጋገረት ኣብ ስልጣን ክትምሽምሽ ትብህግ ህዝባውን ሃገራውን ስምዒት ዘይብላ ዝነቐዘት ውድብ ከም ዝኾነት ዘረጋገጸልና መድረኽ ኮይኑ ተዛዚሙ’ሎ

ህወሓት እዚ ኹሉ ገይራ ‘ውን እንተኾነ ቀልቢ ህዝቢ ክትስሕብ ኣይካኣለትን ሓንሳብ ዝተሰአ ቁጠዐ ህዝቢ ዘንቀሎ ማዕበል ከም ቀደማ ብሓይሊ ብረት ክትዓግቶ ስለ ዘይካኣለት ነቲ ናይ መጨረሻ ናይ ሓደ መንግስቲ ናይ ውድቀት መግለጺ ዝኾነ ህጹጽ ናይ ግዜ ኣዋጅ ክትጥቀመሉ ተገዲዳ ኣላ

እዚ ድማ ህዝብና እቲ ስርዓት ካብ ዝወስዶ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ንምህዳም ክብል ንግዚኡ ስቕታ ክመርጽ ዳኣ ይኽእል እምበር ዘላቒ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይኽእል ቅድም ኢለን ነዚ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ስጉምቲ ናይ ዝወሰዳ ሃገራት ተሞክሮ ምውካስ ይካኣል እዩ ብመሰረቱ ግን “ክንለወጥ ኢና ባሃልቲ ዘይተለወጥቲ” ስለ ዝፈከሩ ለውጢ ኣይመጽን




No comments:

Post a Comment