Saturday, January 14, 2017

ጭንቀት ዝወለዶ ደንገርገር



እቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ብሓይሉ መንዚዑ ንህዝብታት ሃገርና ደም ዘንብዕ ዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ምስቲ ቅድሚኡ ን17 ዓመታት ዘይተኣደነ ሰብኣውን ቍጠባውን ክሳራታት ዘስዓበ ኣምባገነናዊ ስርዓት ደርግ፣ ህዝቢ ንባህርያት ክልቲኦም ዓመፅቲ ኣነጻጺሩ ዝረኣየሉ መድርኽ በፂሑ ኣሎ።

ማለት ኢህወዴግ ኣብ’ዘን ናይ ሓደ ርብዒ ዘመን ዕድሚኡምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጥሮ ዘሎ ነዊሕ ዝሳገር እከይ ተግባራቱ ገዲፍናእታ ብናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ደም ተኸፊሉዋ ዝጨበጣ በትረ-ስልጣኑ ካብ ኢዱ ንኸይትመሉቕ ከም መጋበርያን መናውሒ ዕድምኡ ገይሩ ዝሰርሐላ ዘሎ ውዲት ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ነንሕድሕዶም ንኽመናጨቱ ብምግባር ኣብ መንጎኦም ዓራቒ መሲሉ ዘይተኣደኑ ሓይልታት ፀፅትኡ እናዋፈረ ኣብ ልዕሊ ኑፁህ ወገን መፈንጠርያ ከፃውዱን ሂወት ዜጋታት ከሕልፉን ክኣስሩን ክጨውዩን እናገበረ መፂኡን ኣሎን።

እዝን ካልእን ዝወሎዶ ድማ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ህዝባዊ ተቓውሞ በብግዚኡ ኣብ ገፀራትን ከተማታትን ሃገርና እናተልዓለ ክፍወስ ብዘይምኽኣሉ ናብ ኩሉ ከባብታት እናለሓዀ ሰባት ብትብዓትን ቆራጽነትን ምእንተ ፍትሒ፣ ዴሞክራሲ፣ ነፃነት፣ ማዕረ-ተጠቃምነትን ልምዓትን ክብሉ ፊት ንፊት ኣንጻር ጠያይቲ ኢህወዴግ ግንባሮም ሂቦም ሂዎቶም ክስእኑ ይግደዱ ኣለው።

እቲ ብህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተልዓለ ትንፋስ ዘይህብ ዓመፅን ናይ ለውጢ ቃልስን ብሓደ ወገን ነቲ ስርዓት ኣብ ኣፍደገ ሞት ዘብፀሐ እንትኸውን፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ከሓዲ ስርዓት ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐ ዘስካሕክሕ በደላት፤ ምዝመዛን ስቓይን ይኣክል ኢሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘበገሶን ዘጎሃሃሮን ቃልሲ ሽቱኡ ክሃርም ዝኽእልብዝተወደበን ዝሰመረን ኢትዮጵያዊ ቅልፅም ዝጠልበሉ እዋን ምህላውና ድማ ግድን ይኸውን።

እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት እዚ ነቲ ብመላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ዘነፃፀረ ተቓውሞን ናዕብን መፍትሒ ከይሃበሉ ጭንቀት ዝመበገሲኡ ብሹም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ደሪቱ ወግሐ ፀብሐ ኮን ደኾን ንስልጣነይ ከለላ ይኾኑኒ ኢሉ ናብ መላእ ከባብታት እታ ሃገር ዘዋፈሮም ዘሎ ሓይልታት ፀፅታን መሳርዕ መከላኸሊ ሰራዊቱን እናገበረ ኣብ ልዕሊ መሰለይ ንዝበለ ኑፁህ ወገን እናኣለሸ ክኣስር፣ ከጋፍዕ፣ ላዕልን ታሕትን ክብል ይረአ ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ ስርዓት ኣብዚ እዋን ቀልቢ ምሕደርኡን ምንቅስቓሱን ሃውቲቱ ኣብ ዓሚቕ ጭንቀትን ቅልውላውን ተዋሒጡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣብ ዝሰኣነሉ ሃዋህው ከምዘሎ ዘመላኽት ካብ ምዃን ሓሊፉ እዚ ዝበሃል ናይ መፍትሒ ሓሳብን ተግባርን ከምዘየምፅእ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብትኹረት ምርኣይን ምዕዛብን እኹል መረዳእታ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ምኽንያቱ ካብ ጌጋታቱ ተኣሪሙ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ዝፍውስ ዘላቒ መፍትሒ ከቕምጥ 'በር እቶም ናብዚ ሓደጋ እዚ ዘቃልዕዎ ተግባራትን ናይ ምትላል ስልቱን ተኸቲሉ ናብቶም ኣይተድልየናን ብዝብል ሩሱን ዝኾነ ህዝባዊ ዓመፃት ዝተርኣየሎም ከባብታት መርዚ ዝተቐብኡ ጣዕሳ ዝመስሉ ቃላት ከስምዕ ኣይምተገደደን።

ብመሰረቱ ግን ህዝብና እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ መእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ሰይጣናዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝጸንሑ ኣካላት፣ ሕጂ እውን እንተኾነ፣ ካብ’ቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ መስመር ለቒቖም ህዝባውነት ክላበሱን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋን ወጥርታትን ድማ መፍትሒ ክገብሩሉ እዮም ዝብል እምነት የብሉን።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ስርዓት በዚ ኢሉ በቲ ካብ’ቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዓዘቕቲ ክወጽእ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ መሰረታዊ ጠለብ ናይ’ቲ ህዝቢ ወፂኡ ሓሶትን ምትላልን ከም መስርሕ ወሲዱ ኣብታ ዝናፍቓ ስልጣን ክጸንሕ ይፍትን እኳ እንተሎ ህዝቢ ግን እዚ ሕሱር ተግባርኩም ይኣኽለና ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ትፅቢት ኣይገብረሉን።

ስለዚ እቲ ብጭንቀት ተወጢሩ ዝገብሮም ዘሎ ደንገርገርን ምንቅስቓስን  ከይተደናገርና ነቲ ፈውሲ ዝተስኣኖ ሕዱር ሕማም ኩላትና ደለይቲ ፍትሕን ዴሞክራስን ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ነዚ ፀረ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስርዓት ካብ ስሩ ንምምሓው ኣብ ሓደ ክንሰምር ይግባእ።

No comments:

Post a Comment