Sunday, December 31, 2017

ወሳናይነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ንረባረብ



ናይ ህዝቢ ወሳናይነት ምኽባር ማለት ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ ማለት እዩ። ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ማለት ድማ ውሑስ ሰላም ምዕሳል ማለት እዩ። ውሑስ ሰላም ምህላው ድማ ዜጋታት ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ብዘይ ዝኾነ ስግኣትን ጥርጣረን ብልበ ሙሉኡነት ምስ ኣሓት ህዝብታት ሃገሮም ሓቢሮም ክሰርሑ፤ ክሰፍሩ ዘኽእሎም ምቹው ባይታ ምፍጣር 'ዩ።
   ልዕልነት ህዝቢ ብምድቋስ ሕጊ ብምጥሓስ ኣነ ዝበልኩዃ ስማዕ ካባይ ንላዕሊ ወሳኒ የለን ብዝብል መንገዲ ተኸቲሉ ኢሉ ው'ን ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ናብ ውልቀ ጉዑዙያት መራሕትን መሻርኽቶምን ኣቃሊዑ ሃገር ከም ሃገር ህልውናኣ ኣብ ሕቶ ምልክት ክትወድቕ ዝገበረ ስርዓት ግን ናይ ህዝቢ ወሳናይነት ኣየረግጋግፅን። ምኽንያቱ ሕጊ እናጥሓስካ ልዕልነት ህዝቢ ምርግጋፅ ስለ ዘይካኣል።
  ናይ ህዝቢ ልዕልነትን ወሳናይነትን ምርግጋፅ ማለት ብኻልእ ገፅ ውሕስናን ሓድነትን ብሄር ብሄረ ሰባት ምጥንኻር እዩ። ሓድነትን ምክብባርን ሓልዮትን ፍቕርን ብሄራት ድማ ሰላማ ዝተረጋገዐን ብልፅግቲ ሃገር ምህናፅን ማለት እዩ።
   ነዚ ናይ ህዝቢ ወሳናይነትን ልዕልነትን ንጎኒ ብምጉሳይ ሃገር ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ኣትኲሩ እናመርሐ ብምድንጋር ኣብ ናይ ጥፍኣት ጎደና እናተንሳፈፈ ክሕምስ ዝፀንሐን ዘሎን ጉጅለ ኢህወዴግ፣ ሎሚ ክቐብሮም ዝፀንሐ ሓቅታት እናነቶጉ ንምእላዩ ፀጊሙዎ ነንባዕሉ ክባላዕ ይውዕል ኣሎ።
   "ፈትሊ ሓቅስ ትምንምን እምበር ኣይትብተኽን" ከም ዝተብሃለ፣ እቲ ካብ ናይ ህዝቢ ድልየትን ረብሓን ሕቶን ወፂኡ ኣብ ተግባራት ፀረ ዴሞክራስን ኣነነትን ተዋፊሩ ኣብ ተግባራት ግዕዝይናን ብልሹው ምሕደራን ጥሒሉ ክኸዶ ዝመፀን ዘሎን መንግስታውን ጉጅላውን ምሕደርኡ፣ ናብ ሓደጋ ዕንወትን ምብትታንን ከም ዘቃለዕና ንዓና ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ፈተውቲ ሰላምናን ፅቡቕ ዝምድናን ጉርብትናን ዝምነዩ ኣሓት ህዝብታት ዞባና 'ውን ኣብ ስግኣት ክወድቁ ገይርዎም 'ዩ።
   እዚ ድማ ብሓደ ግዜ ዝተፈጥረ ሓደጋ ዘይኮነስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊስኡ እናተግበሮ ዝመፀ ፀረ ህዝብን ሓድነት ብሄርን ብሄረ ሰባትን ሃገርና ብምዃኑ ነቲ ሰይጣን ጉጅለ ንተግባራቱ ኮኒና ኣንፃሩ ኢትዮጵያውያን ሓቢርና ከይንለዓል ብሰንኩ ነንባዕልና ከናቑረና ፀኒሑን ኣሎን።
   ነዚ ክኽተሎ ዝመፀን ዘሎን ኣዕናውን ፀረ ዴሞክራስን ምጥሓስ ልዕልነት ሕግን ንምቁፅፃር ኢሉ ባዕሉ ብዘጣየሸን ትካላት ‘ውን ነቲ ሓቂ እናደፈና ልሳን ናይቲ ጉጅለ ከየዕብራ ህዝባዊ ሓላፍነተን ረሲዐን ኣብ ሙሱሉይ ስራሕትን ተግባራትን ክፅመዳ ገይርዎን።
   ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ድማ ፓርላማ ካብተን ትካላት ሓደ ኮይኑ ንሽሙ እቲ ዝላዓለ ስልጣን ዘለዎ ናይ ህዝቢ ወኪል ምዃኑ እቲ ሕገ መንግስቲ 'ውን ኣፍልጦን ስልጣንን ከም ዘፍቅደሉ ተደንጊጉ እዩ።
   ግን እቲ ጉጅለ ልዕልነት ሕጊ እናጥሓሰ ልዕልና ህዝቢ እናደቖሰ ሰብኣውን ዴሞክራስያን መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ ከም ድልየቱ እናዓንደረ እዞም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናረአዩ ሓለፍነት ወሲዶም ነቲ ተግባር ዝኹንንሉ ባይታን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ዝኸድዎ ክያዶታት ኣሎ ዶ? እንተሎ ድኣ ሂወት ዜጋታት መዓልታዊ እናጠፍአ ነቲ ገበነኛ ናብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ህዝቢ ከምህር ዘኽእል ስጉምቲ ንምንታይ ክትግበር ዘይገብሩ?፣
   እዚ ብሹም ህዝቢ ወኪሉ ስልጣኑ ከይምንጠል ብስግኣት ተዋሒጡ ዝነብር ባይቶ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ናይ ህዝቢ ድልየትን ረብሓን ውሕስናን ተሓሊቑ ክሰርሕ ኣይክኣለን። "ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ" ከም ዝበሃል ሎሚ ንባዕሉ ነቲ ባይቶን ነቲ ገዛኢ ፓርትን ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሑሉ፣ ኦሮምያ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ክህልዋ ዝግባእ ረብሓ ንምዝታይ ዝተፀወዐ ኣኼባ ብዘይ ስምምዕነት ክብተን ተራእዩ። ብቐደሙ 'ውን ህዝቢ ዘይተሳተፈሉ ረቒቕ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክትግበር ኣይኽእልን 'ዩ። ስለዚ ውሳነን ድልየትን ህዝብታት ንምኽባርን ንምትግባርን ክንረባረብ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment