Monday, December 11, 2017

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምልካዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ሃገርና ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከምዝተፀምበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት፤ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም  ብርክት ዝበሉ  መናሰያት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣትዮም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ካብኣቶም ውሱናት ንምጥቃስ ድማ፦
1.ጌታቸው ወሉ ሃይሉ፤ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፤ቀበሌ3
2.ዓንደብርሃን ታረቀ ዘወሊ፤ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፤ወረዳ ኣሕፎሮም፤ጣብያ ዝባን ጒላ
3.ነብይ መብራህቱ ገብረማርያም፤ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ፤ጣብያ ብርሽዋ
4.ሲሳይ ቁሜ ዘገየ ካብ ክልል ሰለስተ፤ዞባ ደብረታቦር፤ወረዳ ዶራ
5.ተወለ ወለኣረጋይ ሓድጉ፤ካብ ዞባ ማእኸል፤ወረዳ ዓድዋ፤ቀበሌ 06
6.ፍፁም ገብረየሱስ በርሀ፤ካብ ዞባ ምብራቅ፤ወረዳ ጉሎመኸዳ፤ጣብያ ማርታ
7.ኣሸናፊ ገብረሂወት ተኽለሃይማኖት፤ካብ ዞባ ማእኸል፤ወረዳ ኣሕፈሮም፤ጣብያ ሆያ
8.ተስፋኣለም ኣለማ ካሕሳይ፤ካብ ዞባ ምብራቅ፤ወረዳ፤ኢሮብ፤ጣብያ እንዳልጌዳ
9.ፀጋይ ሳሙኤል ገብረኪዳን፤ካብ ዞባ ማእኸል፤ወረዳ መረብ ለኸ፤ጣብያ ሓዱሽ ዓዲ
10.በረኸት ገብረማርያም ተኽለሃይማኖት፤ካብ ዞባ ማእኸል፤ወረዳ ኣሕፈሮም፤ጣብያ ሆያ
11.መሓሪ ገብረኪዳን ገብራይ፤ካብ ዞባ ምብራቅ፤ወረዳ፤ጉሎመኸዳ፤ጣብያ ፍረዳሽም
12.ከዋኒ ብርሃነ ገብረገርግስ፤ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፤ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ፤ጣብያ ፍትሒ
13.ሻንበል ንጉሰ ሃይለ ፤ኣድሓኖም ተስፋሁነይ፤ምሕረተኣብ ዕቑባይን በርሀ ጎታኦም ኣብርሃን ኣርባዕቲኦም፤ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፤ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ፤ጣብያ ሕብረት ዝዓዶም
14.ዕቑባይ ሓጎስ ገረዝግሂር፤ካብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ፤ወረዳ ጉሎመኸዳ፤ጣብያ ሶቦያ
15. ስልጣን ማሕፉዝ መሓመድ፤ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም፤ጣብያ መዝብር እንትኾኑ፤ንሳቶም ናብ ዴምህት ተፀምቢሮም ክቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት ብሓባር እንትገልፁ፦
ኣብ ሃገርና ፍትሒ ጠቕሊሉ ጠፊኡ ምህላውን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ስእነት ስራሕ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ነጊሱ ብምህላው ምኽንንያት ተማሪሮም ከምዝመፁን ናይዚ መፍትሒ ድማ እቲ እንኮ መማረፂ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ኣቢልካ ስርዓት ኢህወደግ ካብ ስልጣኑ ምእላይ ምዃኑን ገሊፆም።
እቶም መንእሰያት ብምቕፃል፤ካድረታት ስርዓት ወያነ ንልምዓት ብዝብል ምኽንያት ማእለያ ዘይብሉ መሬት ህዝቢ ወሪሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም የውዕልዎ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ፤መሬቱ ዝተወረረ ህዝቢ ድማ ካሕሳ ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ምፍርራሕ ይበፅሖን ብተወሳኺ እውን ሓንፋሺን ፀረሰላምን ዝብሉ ኣስማት የጠምቕዎ ከምዘለውን ሓቢሮም።

No comments:

Post a Comment