Saturday, December 23, 2017

ኣብ ከተማ ሑመራ ተስፋይ ከበደን ወዲ ኣበበን ዝተብሃሉ ወገናት ኮንትሮ ባንድ ሒዝኩም ክትሃድሙ ፈቲንኩም ብዝብል ምኽንያት ብሓልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወዴግ ተተኲስዎም ተስፋይ ከበደ ሽዑ ንሽዑ ክመውት ከሎ ወዲ ኣበበ ድማ ብኸቢድ ምቑሳሉ ምንጭታትና ገሊፆም።



 ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብዕለት 8 ታሕሳስ 2010 ዓ/ም፤እቶም ክልተ ዜጋታት ኣብ ሞተር ሳይክል ተሰቒሎም እናተጉዓዙ እናሃለው ሓይልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወደግ ብዝተኮስዎ ኣድራጋ ጠያይቲ ተስፋይ ከበደ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ክሓልፍ ከሎ ወዲ ኣበበ ድማ ብኸቢድ ምቑሳሉ ዝረአየ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ናዕቢ ከምዘልዓለ ድሕሪ ምግላፅ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ምስ ሓይልታት ፀፅታ እቲ ስርዓት ከምዝተጋጨወን ኣብ ልዕሊ ትካላት ቤት ፅሕፈት ጉምሩክን ኣዋሽ ባንክን  ከቢድ ዕንወት ወሪዱ ከምዘሎን ይግለፅ ኣሎ።
  ስርዓት ኢህወደግ እቲ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ህዝቢ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ምዃኑ ምስፈለጠ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ኣዞዞ ብምስሓብ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዝፀንሐ ፌደራል ፖሊስ ብሓንሳብ ኮይኑ ነቲ ህዝቢ የበሳብሶ ምህላው ተሓቢሩ።
  ፀረ ህዝቢ ህውሓት ኢህወደግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሃዲስና ኣለና፤ሃገር ድማ  ትረጋጋእ ኣላ ኢሉ ተደጋጋሚ ንዝህቦ ዘሎ ናይ ሓሶት መግለፂታቱ ዘቃልዕ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኣለው።    



No comments:

Post a Comment