Saturday, January 13, 2018

አብ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተምሃሩ 3000 ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ በቲ ስርዓት አፍልጦ ረኺቦም ተባሂሉ።



ላዕለዎት ናይ ግሊ ትካላት ብምሸታዊ ክፍለ ግዜ ናይ ሕክምና አስተምህሮ ንኸይህቡ ብሕጊ ተኸልኪሉ እዩ ተባሂሉ ዝተአወጀ እኳ እንተኾነ፣ ሐዚ 'ዉን ብዘይ ሕጋዊ አፍልጦን አገባቡ ብዘይ ሓለወ መንገዲን እቲ አስተምህሮ እናተዉሃበ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 አብ 2009 ዓ.ም ጥራይ 3000 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ብዋናናት ብጥዕና ማሕበረሰብ፣ ብነርሲንግ፣ ብፈርማሲ፣ ብመዋለድቲን ብሕክምና ስንን ምሸታዊ ተማሂሮም ካብ  ግሊ ላዕለወት ትካላት ከም ዝተመረቁ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጊ ከም ዝተጥሓሰ እናተፈለጠ ኣፍልጦ ከም ዝተዉሃቦም ተገሊፁ።
ኣብ ዓዉዲ ሕክምና ምሸታዊ ዝመሃሩ ተምሃሩ መብዛሕቲኦም ኣብ ናይ ግሊ ስራሕቶም ዝተሰማረው ብምኻኖም ክወሃቦም ዝግባእ ናይ ተግባር ትምህርቲ በአገባቡ እኹል ግዜ ተዋሂብዎ ምምሕልላፍ ስለ ዘይከኣል በዝይን ብኻልኦት ተመሳሳሊ ጉዳያትን ንተሓከምቲ ናይ ጥዕና ሓደጋ ከስዕብሎም እዮም ብዝብል እዩ እቲ እገዳ ዝተኻየደ።
ካብ ዚኣቶም 1,159 ብነርሲንግ፣ 646 ብጥዕና ሕብረተሰብ፣ 747 ብፋርማሲ 403 ብመዋለድቲ እቶም 7 ድማ ብሕክምና ስኒ ተመሪቖም እዮም። እዞም ተምሃሮ ካብ ሕጊ ወፃኢ ከም ዝተምሃሩ እናተፈለጠ ሚኒስተር ጥዕና አፍልጦ ከም ዝሃቦም እዉን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment