Saturday, January 13, 2018

ወታደራዊ ዕርዲ ሰሪሕኹም ኢኹም ተባሂሎም ክሲ ዝተመስረቶም 9 ዜጋታት ብፅኑዕ ቤት ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተወሲኑ።



በዓል ጌታሁን በየነ ብዝብል ክሲ ዝተመስረተሎም 14 ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣብ ክልል ደቡብ ከባቢ ኣርባ ምንጭ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተኸሰስቲ ዝቐረበሎም ናይ ገበን ተግባር ክሲ ንኽከላኸሉ ብይን ዝተዉሃበ እኻ እንተኾነ፣ ትሽዓቲኦም ተኸሰስቲ ምክልኻል እይንደልን ብምባሎም ጥፍኣተኛታት ተባሂሎም።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ገበን ዝኸበደ እዩ ብምባል ናይ ቅፅዓት ዉሳነ ዝሃበ ኾይኑ ክልተ ተኸሰስቲ ብ16 ዓመትን 6 ወርሕን ፅኑዕ እስራት፣ ሓደ ተኸሳሲ ድማ ብ15 ዓመት ማእሰርቲ፣ 5 ብሓሙሽተ ዓመታት ፅኑዕ ማእሰርቲ ሓደ ተኸሳሲ ድማ ንሰለስተ ዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ዝፀንሕ ዉሳነ ተበይኑሎም።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅፅዓት ከም ዝወሰነ ድሕሪ ምግላፁ፣ እቶም ፍሩዳት ነቶም ኣብቲ ዕለት ዝነበሩ ዳኛታት ከም ዝዘለፍዎም 'ዉን ተፈሊጡ። እቶም ተኸሰስቲ ክሲ ኽምስረተሎም ዝኸኣለ ናይ ግንባር ሓርበኛ ጉንበት 7 ኣባላት ብምዃን ኣብ ከባቢ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዝርከብ ጫኻ ወታደራዊ ዕርዲ ብምህናፅ ወታደራዊ ስልጠና ንምግባር ትንቀሳቀሱ ኔርኩም ብዝብል እዩ።

No comments:

Post a Comment