Friday, January 5, 2018

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ክካየድ ከም ዝወዓለ ተገሊፁ።



  ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፤ ገሊላ ኣብ ዝተብሃለት ንእሽተይ ከተማ ብ24 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ክካየድ ዝወዓለ ኮይኑ፣ በቲ ተቓውሞ ዝተደናገፀ ስርዓት ኢህወደግ፤ ወታደራት ዝፀዓና ሰለስተ ኦራላት ናብቲ ከባቢ ክልእኽ ተገዲዱ እዩ።
  ብተወሳኺ ካብቲ ክልል ከይወፃና ኣብ ኢንጭኒን ኣደበርጋን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ህዝባዊ ተቓውሞ ክካየድ ምውዓሉ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፤ ስርዓት ኢህወደግ ኣብዚ ቅንያት እዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ህዝቢ ዘጠንቅቕ ንዝሃቦ መግለፂ ዝዓለመ ግብረ መልሲ ምዃኑ ድማ እናተገልፀ ይርከብ።
  ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዳማ ሕዚ ‘ውን ወጥሪ ነጊሱ ምህላውን፤ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ድማ መለዓዓልቲ ብዝብል 18 ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም ክባረሩ ከም ዝተገብሩ ድሕሪ ምግላፅ፤ ብተወሳኺ ድማ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ቡሌ ሆራ ካብ ቀፅሪ ለቒቖም ከም ዝወፁ ይግለፅ ኣሎ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፤ ኣብ ከተማ ወልድያ ‘ውን ሓያል ህዝባዊ ተቃውሞ ምስ ተወለዐ ስዒቡ፣ ስርዓት ኢህወደግ ናብቲ ከባቢ ካልእ ተወሳኺ ዕጡቕ ሓይሊ ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ።

No comments:

Post a Comment