Friday, January 5, 2018

መብዛሕቶኦም ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ክሳብ ሕዚ ትምህርቶም ከም ዘይጀመሩ እናተገልፀ እዩ።



ኣብ መብዛሕተአን ዩኒኒቨርስቲታት ሃገርና ብዝተፈጥረ ግጭት ስዒቡ ነናብ ትውልዲ ቦታኦም ዝኸዱ ተምሃሮ ተደጋጋሚ ፃውዒት እኳ ይግበረሎም እንተሃለወ ክሳብ ሕዚ ግን ክምለሱ ከም ዘይካኣሉ ተሓቢሩ።
እቲ ሕዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ ዝብኣሰ ፀገም ከስዕብ ከም ዝኽእል ስግኣቶም ዝገለፁ እዞም ተምሃሮ፤ ኣስዒቦም ድማ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ጠንቂ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ  ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ብብሄር ተወዲቦም ክተሃላለቑን ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኣኣዩን ኪኢሎም እዮም ብምባል ይገልፁ።
  ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ መበገሲኡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝካየድ ዘሎ ጨፍጫፍን ቅትለትን ደው ይበል፤ ብምኽንያት ግጭት ዝተፈናቐሉ ዜጋታት እኹል ሓገዝ ይገበረሎም፤ ስርዓት ኢህወደግ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭት ደው የብል ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ምዃኖም ይፍለጥ።     

No comments:

Post a Comment