Saturday, January 13, 2018

ናይ ፖለቲካ እሱራት ናይ ምፍታሕ ከይዲ እንዳተጓተተ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡ እቲ ናይ ኣርባዕተ ውድባት ግንባር ዝኮነ ኢህወዴግ ብዕለት 25 ታሕሳስ 2010 ዓ/ም ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራትን ካልኦት ወልቀ-ሰባትን ከም ዝፍትሑ እኳ ገሊፁ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከም ዘየለ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ እቲ ናይ እሱራት ምፍታሕ ክጓተት ዝኻኣለሉ ቀንዲ ምክንያት ላዕለወት ሓለፍቲ ኢህወዴግ ባዓል መን ክፍትሑ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ብዘይ ምስምዕምዖም ምኳኑ ድሕሪ ምግላፅ፡ እቶም ላዕለወት ሓለፍቲ ኢህወዴግ ዝሓለፉ ሓምሽተ መዓልትታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ባዓል መን ተፈቲሖም ባዓል መን ክፀንሑ ኣብ ዝብል ጉዳይ ቆራፅ ውሳነ ኣብ ምሃብ ከም ዝተፀገሙ እቲ ሓበሬታ ወሲኺ ኣረዲኡ።
ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ንምርግጋዕ ተባሂሉ ዝወፀ መግለፂ ስርዓት ኢህወዴግ፣ ካብ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ምፍታሕ ከም ዘይተርፍ ዝተረዱኡ ላዕለወት ሓለፍቲ እቲ ስርዓት፣ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከይበፅሑ ቀንዲ ምክንያት ዝኮኖም ድማ ተፈለጥቲ ዝባሃሉ ፖለቲከኛታት ኩሎም ይፈትሑ ዶ ኣይፈትሑ ዝብል ሓሳብ ንኸይስማዕምዑ ገይርዎም ከም ዘሎ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ኣፍሊጦም።

No comments:

Post a Comment