Saturday, January 13, 2018

ናይ ክልላት ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማሌን ግጭት ዘብፀሖ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምኳኑ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማልን ኣዋሰንቲ ቦታት ዝተካየዱ ግጭታት መጠኑ ስፍሕ ዝበለ ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ እዋን፡ ናይቲ ግጭት መበገስን ዘብፀሖ ጉድኣትን ንኽምርምሩ ዝተሓረዩ ኣካላት ሱፐር ቪዥን ከም ዝገለፅዎ እቲ ጉድኣት ኣብ ናይ ክልቲኦም ክልላት ተፈናቐልቲ ዝኸበደ ነይሩ ከም ዝበለ ይዝከር።
ልዕሊ 10 ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት ዝጠፍእሉ ናይ ክልላት ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማልየን ግጭት ብፍሉይ ሓይሊ እቲ ስርዓት ናይ ክልቲኦም ክልላት ተፋናቐልቲ ቀሊል ዘይባሃል ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራ ከም ዝወረደ ድሕሪ ምግላፅ ተፋናቀልቲ ክልል ኦሮሞ ዝኾኑ ወገናት ብወገኖም እቲ ዝተፈፀሞም ግፍዒ ብነበርቲ ኢትዮጵያ ሶማል ዘይኮነስ ብሓይልታት ፀጥታ እቲ ስርዓት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ብወገን ተፋናቐልቲ ኢትዮጵያ ሶማል ,ውን በቲ ዝተፈጠረ ግጭትን ዕግርግርን ምኽንያት ካብ ህፃውንቲ ክሳብ ዓበይቲ ዓዲ ከምኡ ,ውን መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፉ ካብ ኣካል ምጉዳል ክሳብ ሞት ክኸፍል ዝተገደደ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሶማልየ በቲ መታዓረቒ መሲሉ ዝቐረበ ስርዓት ኢህወዴግ ኢድ ኣታውነት ምኳኑ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment