Saturday, March 31, 2018

ወታደራዊ እዚ ኣብ መተማ ዮውሃንስ ዘዳለዎ ኣኼባ ብዝገጠሞ ተቓውሞ ምቁራፁ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ መተማ ዮውሃንስ ኣብ ኣደራሽ ቀበሌ 03 ብሰንበት ዕለት 15 መጋቢት 2010 ዓ/ም ብወታደራዊ እዚ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ብዝገጠሞ ተቓውሞ ምቁራፁን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ወታደራዊ እዚ ኣብዙርያ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ምስ ናይ መተማ ህዝቢ ኣኼባን ምግባርኣብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ዝለዓለ ሁውከትን ዕግርግርን ብምልዓሉ ምኽንያት እቲኣ ኼባክቋረፅ ክኢሉ። ኣብቲ ኣኼባ ህዝቢ ካብ ዘልዐሎም ሕቶታት ብውሑዱ፣ ንሱዳን ተቖርሚሙዝተዓደለ ናይ ኣቦታትና ርስቲ ብህፁፅ ይመለሰልና፤ብምፍርራሕ ስልጣን ምንዋሕ ኣይከኣልን ዝብሉን ካልኦት ብርክት ዝቦሉ ሕቶታት ተላዒሎም።
ሕቶታት ክለዓሉ እንከሎው እቲ ህዝቢ ብጣቕዒትን ዕልታን ዝገለፀ እንትኸውን ፣ነቲ ኩነታት ፀፅትኡን ምሕላው ዝተስኣኖም  ናይቲ መድረኽ መራሕቲ ንኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻል ክፅውዑ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ። እቲ ህዝቢ ድማ "ፍርሕን ጭንቀትንኣይክለናን "ብምባል ነቲ መድረኽ ረጊፁ ከም ዝወፀን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ነቲ ኣኼባ ካብ እዚ ምዕራብ ኮነሬል ተሾመ ዝተብሃለን ከምኡ'ውን ናይታ ከተማ ምምሕዳርንሓለፊ ፀፅታን ኣይተ ለምለሙ  ባዬ ከም ዝመርሑ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment