Saturday, March 31, 2018

ኣብ ትግራይ ዝሳለጥ ዘሎ ህዝባዊ ኮንፈረንስ መቐፅልታ ናይቶም ብመሪሕነት ህወሓት ክግበሩ ዝፀንሑ ለውጢ ኣልቦ መድረኽ እዩ።



እቲ ረቡዕ ዕለት 19 መጋቢት 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ን4 መዓልቲ ክሳለጥ ተባሂሉ ኣብትግራይ ዝተጀመረ ህዝባዊ ኮንፈረስንስ ብመሪሕነትን ካድረታትን ህወሓት ተኣሊሙ ኣብ ባይታ ፍረ ዝተስኣኖም ናይ ዝሓለፉ መድረኻት መቐፀልታ ምዃኑ ተሓቢሩ።

መሪሕነት ህወሓት ባዕሉ ብዝኽተሎ ኣምባገነናዊ ምሕደራን ግዕዝይናን ካብ ሃገራውንክልላውን ተሰማዕነት ይኹን ህዝባውነት ሓሪሙዎ ንስልጣኑ ከለላ ዝኾኑዎ ዝተፈላለዩፈጠራታት ከካይድ ምፅንሑ ዝዝከር ኮይኑ፣ሕዚ ድማ ኣካል ናይቶም ከሳልጦ ምዝፀንሑ ፍረ ኣልቦ መድረኻት ብሹም "ኮንፈረንስናን ሰላምን ልምዓትን ዴሞክራስን"ብዝብል ቴማ ብክልል ደረጃ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ክካየድ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፣ ለውጢን ዘየምፅኡ ብመሪሕነት ህወሓት ዝሳለጡ ዋዕላታት ይኹን ኮንፈረንስ ኣደብ ክገብርን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኩሎም እቶም ኣብ እዋን መንቀራቕሮ ኣብ ዝኣትወለን እዋን ዝኣትወን ለበዋን ተስፋንና ብተግባር ተሰጋጊሩ ረብሓን ሕቶን ህዝቢ ዘላቕነት ዘለዎ ፍታሕከዕርፍ ይግባእ ተባሂሉ።

 

No comments:

Post a Comment