Tuesday, April 3, 2018

ስቕ ምባል ዝኸልእ ግዜ እዩ’ሞ ንኡሽተይ ክንትንፍስ ህዝባዊ ካብ ዓዲ ግራት



   እዘን ዝሓለፍናየን ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ቀሊል ብዘይበሃል ደረጃ ናይ ዜጋታት ሰላምን ማሕበራዊ ናብራን ተናጊዑ ቅልውላው ዝበዝሐን ዓመታት ኮይነን እየን ሓሊፈን። ብዙሕ ህይወት ሓልፉ፤ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም፤ ብሚልዮናት ዝግመት ንብረት ዓንዩ እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘሕዝን ነገር ድማ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ተበራኺቱ ናይ ሕብረተሰብ ኣራእያ ተበታቲኑ ባዕልና ንባዕልና ብጎሪጥ ክንረአአ ምኽኣልና እዩ። እቲ ገዛኢ ስርዓት ድማ ነዚ ዝተልዓለ ፀገማት ንምፍታሕ ዓቕሚ ስኢኑ መፍትሒ ኢሉ ዘምፀኦም ሓሳባት ኩሎም ተቐባልነት እናሰኣኑ ኣብ ጭንቕንቕ ዝኣተወሉ ደረጃ እዩ ተበፂሑ። ሕግን ስርዓትን ጠፊኡ ውልቀ ሰባት ድሌቶም ዓይነት ስጉምቲ እናወሰዱ ሰላም ዜጋታት ንክዘርጉ ዕድል ረኺቦም ክበሃል ይከኣል እዩ።
   ብርግፅ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ህዝቢ ንክዕምፅ፤ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣንፃር መንግስቲ ንኽቃለስ ዝገብሩ ብጣዕሚ ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ እዮም። ብፍላይ ዝኾነ ዓይንን እዝንን ዘለዎ፤ ዝሓስብ ኣእሙሮ ዝተዓደለ ሰብ ክኽሕዶ ዘይኽእል ከቢድ ዝኾነ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ኣሎ እዩ። እዚ ፀገም እዚ ድማ ክስተኻኻል እዩ ካብ ዝብል ህዝቢ ብተደጋጋሚ መረረቱ ገሊፁ ኣብ ተግባር ዘይሽረፍ ዘረባ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ዝጭበጥ ለውጢ ክርኢ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣካል ኣብ ክራይ ኣካብነትን ካብ መትከል ናይቲ ውድብ ወፃኢ ዝኾነ ምጉጅጃልን ጥሒሉ እዩ ፀኒሑ።
     ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ንኡሽተይ ክብል፦
   ህዝቢ ትግራይ ኣብዞም ዝሓለፍናዮም ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክበፅሖ ዝፀንሐ በደላት ንኹሉ ኣብ ሓድነትን ፍቕርን ኢትዮጵያውያን ንዝግደስ ኣካል ደም ኣንቢዑኒ ሓሊፉ እዩ። ብርግፅ ህዝቢ ትግራይ ብክልተ ሓለንጊ ዝተገረፈ ህዝቢ እዩ። ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዘሎ ናይ ኢኮኖሚ፤ ፖለቲካዊ፤ ማሕበራዊ ፀገም ኣብ ትግራይ ዘሎ ይኸፍእ። ትሑት መነባብሮ ሕብረተሰብ፤ ንመንእሰይ ወለዶ ልቡ ዘሸፈተ መጠን ስደት፤ ደቂ ስውኣትን ወለዲ ስውኣትን፤ ናይ ኲናት ጉዱኣት ኣካል ዘለዎም ዘስካሕክሕ ናብራ፤ ቀታሊ ወለዶ ዝኾነ ፅሬት ትምህርቲ፤ ዓቐኑ ዝሓለፎ ጉቦን ኣድልዎን ክንደይ ኢልካ ክግለፅ። ሓንቲ ኣብነት ጥራሕ ክህበኩም፣ ኣርባዕተ ደቀን ኣሰዊአን ብዘይ ዝኾነ ጠዋሪ ዓፃዊ ገዛ ዘይብለን ዝተረፋ ወላዲት ጥሮታ ዝወስዳሉ ወረቐት ጠፊኡወን ሓደ ሽሕ ቅርሺ ጉቦ ክፈላ ክንህበክን ዝተብሃላ ወላዲት ኣለዋ። እንተዘይኣሚንኩም ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከይድኹም ኣረጋግፁ።
   ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዘሎ ዜጋ ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተጠዋሪ ይበዝሕ። ምኽንያቱ ልዕሊ 60 ሽሕ ስውኣት፤ ልዕሊ 100 ሽሕ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ዘለዉዎ ዓዲ፣ ብዘይ ወላዲ ዝተረፈ ህፃን፤ ብዘይ ውላድ ዝቐረየ ወላዲ፤ ዓይነ ብርኩ ምእንተ ህዝቢ ወፍዩ ፃሕተርተር ኢሉ ህይወቱ ክመርሕ ዘይኽእል ወገን ከም ዘሎ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን። ስለዚ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ገዛ ይኽደኖ ዘብል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ህዝቢ ትግራይ ሓሊፉሉ፣ ንሕና ተጎዲእና እናበሉ ዝሕንሕኑ ናይ ካሊእ ብሄር ተወለድቲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኣለዉ። እቶም ነዚ ሓሳብ ዘሰጉሙ ሰባት ብርግፅ ሓቀኛ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ይፈልጡዎ እዮም። እንተኾነ ግን ነቲ ናቶም ብሄር ኣለዓዒሎም እቲ እከይ ዕላምኦም ንምስኻዕ ግን ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ተጠቃሚ ከም ዝኾነ ኣምሲሎም ይሰብኩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ቀሊል ዘይበሃል ኣካላዊ፤ መንፈሳውን ንዋታውን ዕንወታት ወሪዶም እዮም።
   እዞም ፅንፈኛታት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ትግራዋይ ኮይንኻ ዋላ ኣንፃር እቲ ስርዓት ክትቃለስ ዝደልዩ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ትግራዋይ እንተተቓሊሱ፤ ተቐባልነት እንተረኺቡ ስልጣን ዳግም ብትግራዋይ ክተሓዝ እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም እዩ። ህዝቢ ትግራይ ፀቒጡ ክሰርሐሉ ዘለዎ ጉዳይ ግን፣ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያዊ የለን፤ ነዛ ኢትዮጵያ ትበሃል ዓዲ ዝኸፈልካዮ መስዋእቲ ብቓላት ዝግለፅ ኣይኮነን። ስለዚ ብዜካ ኢትዮጵያውነት ካሊእ ተቋምቶ መማረፂ ክህሊ ኣይግባእን። እቲ ሐዚ ዝበፅሐካ ዘሎ ግዝያዊ ዋዕዋዕ ኮይኑ ምእንተ ሃገርካ ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ እዩ። ኣብ ዘይተናውሐ ግዜ ድማ መዕለቢ ክረክብ ዝኽእል ጉዳይ እዩ። ብመሰረቱ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ኦሮሞ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝተልዓለ ዝፍጠር ዘሎ ፀገም ኣይኮነን። ውልቀ ሰባት ዕላምኦም ንምስኻዕ ዝፍፅሙዎን ንሳቶም ዝለኣኹዎም ጌጋ ርድኢት ዝሓዙን ሰባት ዝትግብሩዎ እዩ።
  እዞም ውልቀ ትምክሕተኛታትን ፀበብትን ባይታ ክረኽቡ ዝኸኣሉ ድማ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ድኽመት እዩ። በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ናይ ሰናይ ምምሕዳር፤ ናይ ስራሕ ስእነት ወዘተ ፀገማት ዝቐሓረ ኣብቲ ስርዓት ቅሬታ ዘሕደረ ብዙሕ መንእሰይ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ ሃገርና ፅቡቕ ምሕደራ እንተዝህሉ እከይ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ዝሰልኩሉ ቀዳድ ኣይምረኸቡን። ብሰንኪ ስራሕ ስእነት 100 ብር ኣብ ጁቡኡ ዘይብሉ መንእሰይ፣ 100 ብር ክንህበካ ኢና ናይ ሚኢቲ ሚልዮን ፋብሪካ ኣቃፅል ኢሎም ክልእኹዎ እንከለዉ ንድሕሪት ኣይብልን። ምኽንያቱ ካብታ ንሶም ዝህቡዎ 100 ብር ክድረር ይኽእል እዩ፣ ካብታ ናይ ሚኢቲ ሚልዮን ፋብሪካ ግን ተጠቃሚ ኣይኸውንን ዘሎ። ስለዚ መንግስቲ ኣብ መንእሰይ ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ ድጋፍ ብዘይ ምግባሩ እታ ሃገር ናብዚ ናይ ዕንወት መንገዲ ክተምርሕ ክኢላ።
   ኣብዚ ናይ መወዳእታ መድረኽ መራሕቲ ህወሓት ክገብሩዎ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃልዩ፦ ብቐዳምነት ነታ ብተዛሪቦም ዘየስምዑ፤ ሰሪሖም ዘየድምዑ ዓቕሚ ዘይብሎም ኣንጨብጨብቲ ካድረታት ተመሊኣ፤ በስቢሳ ዘላ ውድቦም ሱር ነቀል ዝኾነ ምምሕያሽ ብምግባር እዚ ኩሉ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ዝፀሓየ በደላት ብናታቶም ሕምቀት ምዃኑ ተረዲኦም ንህዝቢ ትግራይ ብተግባር ክኽሕሱዎ ኣለዎም። እቲ ኣብ ፌደራል ዝሰርሕ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ዝሰርሕ ግን ለይትን ቀትርን ብዘይ ድቃስ እናሰርሐ መነባብሮ ህዝብና ንምስትኽኻል መስዋእቲ ክኸፍል ኣለዎ። ትግራይ ሰፊሕ ሕርሻ የብላን፤ ልሙዕ መሬት የብላን ዝብል ግጉያ ኣረዳድኣ ገዲፉ ሓመድ ካብ ካሊእ ዓዲ እናምፀኣ ዝሃፍተማ ዓድታት ከም ዘለዋ ፈሊጡ ንትግራይ ዝኸውን ፖሊሲ ብምንዳፍ ከቢድ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ።
  ብኻሊእ መንገዲ ህወሓት ማለት ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ መደረ ገዲፉ ህዝቢ ብምርጭኡ ክኸይድ፤ ብዝመሰሎ መንገዲ ክውደብን ክነቅሕን እቲ ባይታ ከመቻችወሉ ኣለዎ። ከም ሓቂ እንተኾይኑ ካብ ህወሓት ዝሐሸ ውድብ ንክፍጠር ህወሓት ባዕሉ ክፅዕር እዩ ዘለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ን20 ዓመታት ዝኣክል ጠንቂ ድኽነትን ህውከትን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኢትዮ ኤርትራ ቅልጡፍ ፍታሕ ንኽረክብ ካብ ዝኾነ ካሊእ ኣካል ንላዕሊ መራሕቲ ህወሓት ንፌደራል መንግስቲ ፀቕጢ ብምግባር ከቢድ ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ። ግጭት ኢትዮ ኤርትራ ኣብ ኢኮኖሚ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ኣሉታዊ ፅልዋ ፈጢሩ ከም ዘሎ፣ እቲ ኣብ ዛላምበሳ፤ ራማ፤ ዓድዋ፤ ሸራሮ፤ ሑመራ ወዘተ ዘሎ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ እተን ከተማታት ባዕለን ኣፍ ኣውፂአን ክዛረባ ይኽእላ እየን።
  ሓንቲ ከይገለፅክዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ ድማ እዘን ናይ ህዝቢ ትግራይ እየን እትብሉወን ትካላት ትእምት፣ ብገንዘብ ህዝቢ ትግራይ ተተኺለን ዲኹም ትብሉና ወይስ ንህዝቢ ትግራይ ይረብሓ ኣለዋ? እንታይ ማለትኩም ምዃኑ ብዙሕ ግልፂ ኣይኮነን። ንሱ ገዲፍና ግን ካብኣተን ሓንቲ ትካል ኣውፂእኹም ወይ ድማ ት.እ.ም.ት እትወልዳ ሓንቲ ትካል ኣጣይስኩም ብፍሉይ ንወለዲ ስዉኣትን ደቂ ስዉኣትን ካብኡ ሓሊፉ ውን ንጉዱኣት ኲናትን ፍሉይ ፀገም ንዘለዎም ሰባትን ክትውዕል ክትገብሩ ይግበአኩም። ሓንቲ ፋብሪካ ነዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ምፍላይ ማለት ዓብዪ ዕዳ ምቅላል ኮይኑ ይስመዐኒ። እዚ ተግባራዊ እንተኾይኑ ድማ ብናይ ባዕሎም ቦርድ ማለት ግቡእ ሞያዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ካብቶም ሰብ ዋና ብዝኾኑ ኣካላት ክትመሓደር ኣለዋ። ካብ ናይ ቻይና ኮምኒስት ፓርቲ ቀፂሉ ብዓለም ደረጃ ዝለዓለ ካፒታል ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ት.እ..ም.ት እንተነኣሰ ኣብዞም ኲናት ዝሃሰዮም ኣሕዋትና ዝረአ ለውጢ ክገብር ኣለዎ።
   ሙሁራት ተጋሩ፤ ሰብ ሃፍቲ፤ ፖለቲከኛታት ወዘተ ኣበይ ከም ዘለኹም ንነብስኹም ፈትሹ። ናይታ ክልል ሓላፍነት ከም ዘለኩም ተረዲእኹም ኣብ ኢኮኖሚ፤ ፖለቲካ፤ ማሕበራዊ ዝለዓለ ግደ ክትፃወቱ ባህግታተይ ክገልፀልኩም ይፎቱ። ብርግፅ ኣስማት ክገልፅ ኣይደልን እምበር ብጣዕሚ ንቑሓትን ሓቦኛታትን መናእሰይ ሙሁራት እናተቐላቐሉ እዮም፣ ካብ ሰብ ሃፍቲ ‘ውን ስሕት ኢሎም ህዝባውነቶም ክዋፅኡ ዝፍትኑ ኣካላት ኣለዉ እዮም እዚ ክበረታታዕ ኣለዎ። ኣብ ወፃኢ ዓድታት ዘለዉ ተጋሩ ዓይኖም ዓሚቶም እዝኖም ለዂኾም ንህወሓት ካብ ምድጋፍ ወፅዮም ኣብዚ ዓመት እዚ ዝሐሸ ህዝባዊ ምልዕዓል ክገብሩ ተዓዚብና። ንህወሓት ምቅዋም ማለት ንህዝቢ ትግራይ ምቅዋም ማለት ከም ዘይኮነ ተረዲኡዎም ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፤ ጀርመን ፍራንክፈርት፤ ዓዲ እንግሊዝ ለንደን ዘለዉ ተጋሩ ፅቡቕ መንቋሕቋሕታ የርእዩ ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ትግራዋይ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ከም ዘሎ ተገንዚቡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ማዕረ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰሉ ንክኽበር፤ ማዕረ ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነቱ ክኽበረሉ ባህሉን መንነቱን ክብሩን ታሪኹን ዓቂቡ ንቕድሚት ክግስግስ ኣለዎ። ግዜ ዝጠልቦ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ድማ ክገብር ይግባእ።

1 comment: