Saturday, December 23, 2017

ኣብ ከተማ ሑመራ ተስፋይ ከበደን ወዲ ኣበበን ዝተብሃሉ ወገናት ኮንትሮ ባንድ ሒዝኩም ክትሃድሙ ፈቲንኩም ብዝብል ምኽንያት ብሓልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወዴግ ተተኲስዎም ተስፋይ ከበደ ሽዑ ንሽዑ ክመውት ከሎ ወዲ ኣበበ ድማ ብኸቢድ ምቑሳሉ ምንጭታትና ገሊፆም።

ኣብ ከባቢኦም ተኾሚሩ ዘሎ ጉሓፍ ብእዋኑ ክልዓል ብዘይምኽኣሉ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለው ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት ሃገርና ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ተሓታቲ ስርዓት ኢህወደግ ምዃኑ ተገሊፁ።

መንበሪ ኣባይቲ ኣቦ ወንበር ሃርበኛ ጉንበት ሸውዓተ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተሸይጡ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደምቢዶሎ ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።